Checklists

ናይ ጊዜ ሓደጋ ኣቑሑት & ዝርዝር መደብ
ንግዜ ሓደጋ ዝኸውን ማይ ብኸመይ ትዕቅብ – ጋሎናት
ንግዜ ሓደጋ ዝኸውን ማይ ብኸመይ ትዕቅብ – ሊትሮታት
ውደቑ፣ ተሸፈኑን ሓዙን
ካብ ከባቢኹም ወጻኢ ዝርከብ ተወካሲ ካርድ


ሓደጋታት ኣብ ዝኾነ እዋን ክጋጥም ይኽእል እዩ። ንኸባቢና፣ ከም ናይ ሓጋይ ኩነታት ኣየር ማዕበል፣ ሱናሚ፣ ባርዓትን ናይ ሓደገኛ ባእታታት ምፍናው ዝኣመሰሉ ይሕውስ። ንዓኹምን ንስድራቤትኩምን ንዝኾነ ዓይነት መቕዘፍቲታ ምቕራብ ንድሕነትኩም ኣገዳሲ እዩ። እቲ ኣድላይ ኣገልግሎታት ኣብቲ ዝነብሮ ንኽምለስ መዓልታት ወይ ሰሙናት ከወስድ ስለ ዝኽእል እንተወሓደ ን ሰለስተ መዓልታት – ኣብ ጊዜ መዓት ከኣ ንዝያዳ – ብነብስኹም ክትሓድሩ መደብ ክትገብሩ ኣለኩም።

ኣብ ጊዜ ሓደጋ ነቶም ትፈትውዎምን ንንብረትኩምን ንምክልኻል ክትገብርዎ ዝግብኣ ንጹር ነገራት ኣሎ። እዚ ኸኣ ካምዚ ዝስዕብ ይሕወስ፥

መደብ ግበሩ – እንተተፈላሊኹም ምስ ስድራቤትኩም ብኸመይ ኣበይን ከምትራኸቡ ፍለጡ።

ናይ ጊዜ ሓደጋ ኣቑሑት ቀርቡ – ከም ዝስተ ማይ፣ ዘይበላሾ-መግቢታት፣ ናይ ሕጹጽ ረድኤት ኣቑሑት፣ ናይ ኢድ መብራህቲ፣ ዝያዳ ባተሪታት፣ ብኢድ-ትውላዕ ወይ ብባተሪ-ትሰርሕ ራድዮ፣ ብሓኪም ዝተኣዘዘ መድሃኒት፣ ዘምውቕ ክዳውንቲን ኮቦርታን፣ ከምኡ’ውን ጥረ-ገንዘብ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ቀረብ ምድላው። ንእንስሳታትኩም ዝኸውን ቀረብ’ውን ኣይትረስዑ!

ተሳተፍቲ ኩኑ – ጎርባብትኹም ፍለጡን ነቶም ሓገዝ ዝድልዮም ሰባት ንኽትረዱ ቅሩባት ኩኑ፣ ከምኡውን CPR/ህጹጽ ረድኤት ተመሃሩ።

ኣፍልጦ ይሃልኹም – ኣብ ናይ ከባቢኹምን ዞባኹምን መጠንቀቕታታት ቦታ ተመዝገቡ፣ ከምኡ’ውን ናይ ከባቢኹም ማዕከን ዜናታት ስምዑ።